ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፀገም ሸቕሊ ኣልቦነት ንምፍታሕ ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ይስራሕ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ፀገም ሸቕሊ ኣልቦ ንምፍታሕ ምስ ዝተፈላለዩ ትካላት ይስራሕ ከምዘሎ ኮሚሽን ፈጠራ ዕድል ስራሕ ፌዴራል ገሊፁ።

ኮሚሽነር እቲ ኮሚሽን ንጉሱ ጥላሁን ኣብ ዝሓለፉ 6 ኣዋርሕ ን1 ነጥቢ 6 ሚሊዮን ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝተፈጠረ ገሊፆም።

ካብዚ እቲ 62 ሚኢታዊት ቀዋሚ ዕድል ስራሕ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ይኹን አንበር ኣብዛ ሃገር መስ ዘሎ ሸቕሊ ኣልቦነት እንትነፃፀር ንቐፃሊ ነቲ ዓውዲ ፍሉይ ትኹረት ከምዘድሊ ሓቢሮም።

ነዚ ድማ መፅናዕቲ መሰረት ዝገበረ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ከምዝፍፀሙ ኣፍሊጦም።

በዚ ኣቢልካ ተረባሕነት ቀዋሚ ዕድል ስራሕ ናብ 80 ሚኢታዊ ክብ ንምባል ከመዝስራሕ ሓቢሮም።

እዚ ንምግባር ድማ ንመንግስታዊ ትካላት፣ ኢንዱስትሪታትን ፋብሪካታትን ብምውዳድ ከምዝስራሕ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment