ካብ ኣገልግሎት ካዳስተር ልዕሊ 4 ቢሊየን ብር ኣታዊ ተኣኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍቢ ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኤጀንሲ ምዝገባን ሓበሬታን ትሕዝቶ መሬት ኣብ ዝሓለፉ ትሽዓተ ኣዋርሕ ካብ ኣገልግሎት ካዳስተር ልዕሊ 4 ቢሊየን ብር ኣታዊ ከምዝተረኸበ ገሊፁ፡፡

ኣብቲ ኤጀንሲ ዳይሬክተር ምዝገባ ሓበሬታን ኣገልግሎትን ትሕዝቶ ሓሰን ሙሳ ከምዝበሉዎ÷ እቲ ኤጀንሲ ኣብ 10 ጨንፈር ኣቢያተ ፅሕፈቱ ብዝሃቦ ልዕሊ 20 ኣገልግሎታት ዝተረኸበ ኣታዊ ኢዩ፡፡

96 ሺሕን 146 ተገልገልቲ ብምትእንጋድ 4 ቢሊየን 524 ሚሊየን 923 ሺሕን 369 ብር ኣታዊ ንምርካብ ተሓሲቡ÷ 88 ሺሕን 825 ተገልገልቲ ብምትእንጋድ 4 ቢሊየን 177 ሚሊየን 779 ሺሕን 123 ብር ከምዝተረኸበ ገሊፆም፡፡

ካብ ኣገልግሎት ካብ ሞንጎ ዝተኣከበ ኣታዊ፤ እቲ 115 ሚሊየን 337 ሺሕን 232 ብር ካብ ፈንድ ውሕስና ዝተረኸበ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment