ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንበዓል ልደት ጠለባት ዘቕርቡ ኣውደ ምርኢታት ክኽፈቱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንበዓል ልደት ሰሙን ሙሉእ ጠለባት ዘቕርቡ ኣውደ ምርኢታት ከምዝኽፈቱ ቢሮ ንግዲ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ኮሙኒኬሽን ቢሮ ንግዲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ሰውነት ኣየለ ንፋናብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ÷ እቶም ኣውደ ምርኢታት ኣብ ዝተመረፁ ከባቢታት እታ ከተማ ክኽፈቱ ኢዮም።

ኣትክልቲን ፍረምረን ሓዊሱ ንበዓል ተደለይቲ ዝኾኑ እታወታት ኣብቶም ኣውደ ምርኢታት ከምዝቐርቡ እውን ኣይተ ሰውነት ሓቢሮም።

እቶም ኣውደ ምርኢታት በዓል ኣብ ሳር ቤት፣ መገናኛ፣ ስድስት ኪሎን መሰል ቦታታትን ከምዝኽፈቱ ተገሊፁ፡፡

ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተውፃእፅኡ ኣፍረይቲን ኣቕረብቲን ኣብቶም ኣውደ ምርኢታት ከምዝሳተፉሎም ተገሊፁ።

ብዙፋን ካሳሁን

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment