ኣብ ውሽጢ ዓዲ ዝፈረየ 17 ሚሊየን ሊትሮ ዘይቲ ናብ ዕዳጋ ኣቲዩ – ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣፍረይቲ ውሽጢ ዓዲ ዝፈረየ 17 ሚሊየን ሊትሮ ዘይቲ ናብ ዕዳጋ ከምዘኣተወ ሚኒስቴር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ንግዲን ኢንዱስትሪን ኣይተ መላኩ ኣለበል፥ ድሌትን ቀረብን መሰረታዊ ሸቐጣት ብምምላእ ኩነታት ናብራ ሕብረተሰብ ንምምሕያሽ ኣብ ዝተሰርሐ ስራሕ ፋብሪካታት ዘይቲ ተሃኒፆም ኣብዚ ወርሒ ናብ ፍርያት ብምእታው 17 ሚሊየን ሊትሮ ናብ ዕዳጋ ከምዘእተዉ ገሊፆም፡፡

58 ሚኢታዊ ቀረፅን ተተሓሓዝቲ ክፍሊታትን እናተነበረሎም ዝመነሩ ከም ዘይቲ፣ ንህፃናት ዝኾኑ ሃነፅቲ ምግቢታትን ከምኡ እውን ካልኦት መሰረታዊ ምግቢ ተንከፍ ፍርያታት ናብ 5 ሚኢታዊ ክወርድ ብምግባር ስርዓት ንግዲ ዕዳጋ ንምምሕያ እናተሰርሐ ከምዝርከብ እውን ኣብሪሆም፡፡

ምኽባር ናብራ ናይ ቁፅፅርን ክትትልን ስጉምቲ ብምውሳድ ጥራሕ ኣይከኣልን ዝበሉ ኣይተ መላኩ፥ ፍርያትን ፍያታውነትን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ብምምሕያሽ ድሌትን ቀረብን ንምጥዕዓም መንግስቲ ንዘፈር ሕርሻን መፍረዪ ኢንዱስትሪን ፍሉይ ትኹረት ሂቡ ኣብ ምስራሕ ከምዝርከብ ገሊፆም፡፡

ማእኸላይ ናህሪ ዋጋ ሸቐጣት ኢትዮጵያ 19 ነጥቢ 2 ሚኢታዊ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር፥ ስርዓት ንግዲ ብምዝማን፣ ኣፈላላይ ቀረብን ድሌትን ንምፅባብን ፍርያትን ፍርያታውነትን ንኽውስኽ ብምግባር ማእኸላይ ናህሪ ዋጋ ናብ 13 ሚኢታዊ ክወርድ ንምግባር ይስራሕ ኣሎ ኢሎም፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment