ኣብ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ ልዕሊ 1 ሺሕ ብርኪታት ምፅዳቖም ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ለካቲት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፈ 6 ኣዋርሕ 1 ሺሕን 435 ብርኪታት ምፅዳቖም ኢንስቲትዩት ደረጃታት ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ካብ መንጎ እቶም ዝፀደቑ 268 ቅድመ ሐዚ ዘይተዳለዉን ኣብዚ ሐዚ እዋን ተዳሊዮም ዝቐረቡን ሓደሽቲ ብርኪታት ከምዝኾኑ ዳይሬክተር ዳይሬክቶሬት ጉዳያት ኮሙኒኬሽን እቲ ኢንስቲትዩት ይስማ ጅሩ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም።

ከምኡውን 327 ደረጃታት ቅድመ ሐዚ ተሰናዲኦም ኣብ ስራሕ ዘለዉን ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ዘሎ እዋናዊ ኩነታት ኣንፃር ብገምጋም ኮሚቴ ቴክኒክ ተራእዮም ምስትኽኻል ዝተገበረሎም ነባር ዝተኸለሱ ብርኪታት ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

ከምኡውን እቶም 840 ብርኪታት ድማ ብስልታዊ ገምጋም እንትፍተሹ ምንም ለውጢ እንተይተገበረሎም ኣብ ዘለውዎ ኩነታት ንክቕፅሉ ዝተብሃሉ ከምዝኾኑ ኣረዲኦም።

ብዮሐንስ ደርበው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment