ውዕሊ ስምምዕነት 5 ነጥቢ 13 ቢሊየን ብር ፕሮጀክት ህንፀት ተፈረመ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር  መስኖን ቆላማ ከባቢ ምስ ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ኩባንያ ሃንሶል ፔፐር ደቡብ ኮሪያ ብ5 ነጥቢ 13 ቢሊየን ብር ልምዓት መስኖ ከርሰ ምድሪ ኣደኣ በቾን ፕሮጀክት ህንፀፅ ገፀር ልምዓትን ውዕሊ ስምምዕነት ተፈራሪሞም፡፡

እቲ ፕሮጀክት ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዞባታት ምብራቕ ሸዋን ደቡብ ምዕራብ ሸዋን ከባቢ ሜዳታት ኣደኣን በቾን ዝውገን ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

እቲ ውዕሊ ስምምዕነት ሚኒስትር ዴኤታ መስኖን ቆላማ ከባቢን ብርሃኑ ሌንጂሶ (ዶ/ር)ን መራሒ ዲቭዥን ሓላፍነቱ ዝተወሰነ ውልቀ ኩባንያ ሃንሶል ፔፐር ደቡብ ኮሪያ ዳቪድ ቶሻን ኪምን ፈሪሞምዎ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment