ፎረም ከተማታት እተን ከተማታት ናብ ዝደለይኡ መገዲ ምዕባለ ንክበፅሓ ዘግብር ዕላማ ኣለዎ-ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፎረም ከተማታት እተን ከተማታት ናብ ዝደለይኡ መገዲ ምዕባለ ንክበፅሓ ዘግብር ዕላማ ኣለዎ ከብላ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ወ/ሮ ጫልቱ ሳኒ ገሊፀን።

ሎሚ ዘበን ዝሳለጥ ፎረም ከተማታት፥ “ናይዚ ዘመን ከተማታት ንምዕባለ ኢትዮጵያ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ክል ደቡብ ኢትዮጵያ ከተማ ወላይታ ሶዶ 9 ለካቲት 2016 ዓ.ም ክሳለጥ ኢዩ።

እቲ ፎረም ብዝምልከት ወ/ሮ ጫልቱ ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ፥ እቲ ፎረም ብምትሕብባር ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ክልል ደቡብ ኢትዮጵያን ከምዝተዳለወ ገሊፀን።

ኣብቲ ፎረም ልዕሊ 150 ከተማታት፣ ልዕሊ 20 ትካላትን ለዕሊ 20 ሺሕ ክፋላት ማሕበረሰብን ከምዝሳተፉ ተዛሪበን።

ኣብ ዓውድታት ማህበራዊ፣ ኢኮኖሚያዊን ፖለቲካዊን ቅልጡፋት ምዕባለ ከተማታት ዝረአየሉ ከምዝኸወን ገሊፀን።

ብምንተስኖት ሙሉጌታ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment