ፕሬዚዳንት ቱኒዚያ ካይስ ሰኢድ 57 ዳያኑ ሕጊ ኣሰናቢቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ቱኒዚያ ካይስ ሰኢድ ብግዕዝይናን ግብረ ራዕዲ ብምድጋፍን ዝጠርጠርዎም 57 ዳያኑ ሕጊ ኣሰናቢቶም።

እቶም ፕሬዚዳንት ኣብ ቴሌቪዥን ቀሪቦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ኣካላት ፍትሒ እታ ሃገር ንገዛእ ረእሶም ካብ ዝተፈላለዩ ገበናት ናፃ ነክገብሩ ዕድል ሂቦም ከምዝነበሩ ተዛሪቦም።

ድሕሪ እዚ ነቶም 57 ዳያኑ ሕጊ ምስንባቶም ዕላዊ ገይሮም።

ካብ መንጎ እቶም ዝተባረሩ ሓላፊ ቤት ምኽሪ ላዕለዋይ ምምሕዳር ዳያኑ የሱፍ ቡዛከር ከምዝርከብዎም  ቲ ኣር ቲ ፀብፂቡ ።

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment