Fana: At a Speed of Life!

ስፓርት

ሜሲ ዝኽደና መፍለዪት ቁፅሪ 10 ማሊያ ካሊእ ተፃዋታይ ከምዘይክደና ኣርጀንቲና ኣፍሊጣ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሊዮኔል ሜሲ ኩዕሾ እግሪ ምፅት ጠጠው ምሰበለ ንሱ ዝኽደና 10 ቁፅሪ መፍለዪት ማልዩኡ ንኻሊእ ተፃዋታይ ከምዘይትወሃብ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኣርጅንቲና ኣፍሊጡ፡፡ ፕሬዚዳንት እቲ ፌዴሬሽን ክላውዲዮ ታፒያ÷ “ናይ ሊዮኔል ሜሲ 10 ቁፅሪ ንዘላለም ተኸቢሩሉ ክነብር ኢዩ፤ ንሕና ንዑኡ ክንገብረሉ ንኽእል ንኡሽተይ ነገር እዚ ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም፡፡ ሜሲ ሃገሩ ኣርጀንቲና ድሕሪ 1986 ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ን3ይ ግዘ ኣብ ዘልዐለቶ ፅዋዕ ዓለም ኳታር 7 ሸቶታት ብምምዝጋብ ንዓወት ሃገራዊት ጋንትኡ…
Read More...

ኡጋንዳዊ ኣትሌት ኣብ ኬንያ ኣብ ውሽጢ መኪና ህይወቱ ሓሊፉ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኡጋንዳዊ ኣትሌት ቤንጃሚን ኪፕላጋት ኣብ ኬንያ ኣብ ውሽጢ መኪና ህይወቱ ሓሊፉ ከምዝተረኸበ ተገሊፁ፡፡ ኣብ ሰለስተ ውድድራት ኦሎምፒክ ብ3 ሺሕ መሰናኽል ንሃገሩ ዝወከለ ኣትሌት ኪፕላጋት÷ ኣብ ክሳዱን ኣፍ ልቡን ብበኪሕ ነገር ተወጊኡ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ፖሊስ ኬንያ ኣፍሊጡ፡፡ ወዲ 34 ዓመት ኪፕላጋት ፍሉጣት ኣትሌታት…

ኣርሰናል እንትትሰዓር ቶተንሃም ዓወት ቀኒዑዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መበል 20 ሰሙን ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣርሰናል እንትትሰዓር ቶተንሃም ዓወት ቀኒዑዋ። ንኣርሴናል ዘተኣናገደት ፉልሃም ክትምራሕ ድሕሪ ምፅናሕ 2 ን 1 ክትዕወት ክኢላ። ጋንታ ፉልሃም ንኽትዕወት ራኡል ሄሜኔዝን ኮርዶቫ-ሬይድን እንተመዝግቡወን÷ ብሕታዊት ሸቶ ኣርሴናል ድማ ቡካዮ ሳካ ኣብ መበል 5ይ ደቒቕ…

2023 ንተወዳደርቲ 5 ሺሕ ሜትሮ ጉያ ደቂ ኣንስትዮ ታሪኻዊ ዓመት ነይሩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2023 ንተወዳደርቲ 5 ሺሕ ሜትሮ ጉያ ደቂ ኣንስትዮ ታሪኻዊ ዓመት ከምዝነበረ ኣትሌቲክስ ዓለም ገሊፁ። ኣብቲ ዓመት ክብረ ወሰን እቲ ርሕቐት ክልተ ግዘ ከምዝተሰበረ ተሓቢሩ። ካብዚ ብተወሳኺ ካብ 10 ናይ ኩሉ ግዘ ቅልጡፋት ሰዓታት አቶም ሽዱሽተ ኣብዚ ዓመት ዝተመዝገቡ ከምዝኾኑ ማሕበራዊ ሚዲያ…

ፕሮፌሽናል ብሽክለተኛ ፅጋቡ ገብረማርያም ካብ ቅድድም ብሽክለታ ክሰናበት ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያዊ ፕሮፌሽናል ተቐዳዳሚ ጋንታ ጄይኮ ኣልኡላ ፅጋቡ ገብረማርያም ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ካብ ቅድድም ብሽክለታ ይሰናበት ምህላው ተገሊፁ። ሓደ ካብ ኣዝዮም ህቡባት ኣፍሪቃውያን ተቐዳደምቲ ብሽክለታ ዝኾነ ፅጋቡ፥ ንልዕሊ 10 ዓመት ምስ ዝተፈላለያ ዎርልድ ቱር ጋንታታት ክወዳደር ዝፀንሐ እዩ። ፅጋቡ ካብ ቅድድም…

ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ሸገር ደርቢ ፅባሕ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ክልተ ጋንታታ ኣዲስ ኣበባ ኢትዮጵያ ቡናን ቅዱስ ጊዮርጊስን ዘራኽብ ፀወታ ሸገር ደርቢ ፅባሕ ክካየድ ኢዩ፡፡ እቲ ፀወታ ፅባሕ ሰዓት 9 ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣደማ ከምዝካየድ ሓበሬታ ኣክሲዮን ማሕበር ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ የመላኽት፡፡ ሸገር ደርቢ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ 29 ሕዳር ክካየድ ዝነበረ…

ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ኣርሰናልን ቶተንሃምን ተሳዒረን

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ናይ በዓል ሰሙን ትማሊ ምሸት ብዝተኻየደ ፀወታ ኣርሰናልን ቶተንሃምን ተሳዒረን። ኣብ ሜዳኣ ንጋንታ ዌስትሃም ዩናይትድ ዘተኣናገደት ኣርሰናል 2 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ተሳዒራ ሶለስተ ነጥቢ ስኢና። ቶተንሃም ሆትስፐርን ብራይተን ኤንድ ሆቭ ኣልቢዮን ኣብ ዝገበረኦ ፀወታ ብተወሳኺ ብራይተን 4 ን…