ህፁፅ ሓገዝ ንዘድልዮም ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ናይ ምግባር ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ህፁፅ ሓገዝ ንዘድልዮም ዜጋታት ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ናይ ምግባር ስራሕ ተጠናኺሩ ክቕፅል ኢዩ ክብሉ ኮሚሽነር ኮሚሽን ኣመራርሓ ስግኣት ሓደጋ ኣምባሳደር ሽፈራው ተክለማርያም(ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ኮሚሽነር፥ ብሰብ ስራሕን ተፈጥሮኣዊን ሓደጋ ጉድኣት ዘጋጠሞም ዜጋታት ዝግበር ደገፍ ገንዘብ ተጠናኺሩ ይቐርብ ኣሎ ኢሎም።

ሰብኣዊ ደገፍ በቢርባዕ ዓመት ከምዘውዛዕ ብምግላፅ፥ ካብ ወርሒ ጥሪ ክሳብ መጋቢት ን6 ነጥቢ 6 ሚሊየን ዜጋታት ድጋፍ ከምዝተገበረ ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሐዚ እዋን እውን ካብ ወርሒ ሚያዚያ ክሳብ ሰነ ንልዐሊ 8 ሚሊየን ዜጋታት ዘድሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ንምግባር ዘኽእል ስራሕቲ ይስራሕ ከምዘሎ ገሊፆም።

እቲ ደገፍ ብመትሕብባር መንግስቲን መዳርግቲ ኣካላትን ከምዝፍፀም ድማ ምብርሆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

Comments (0)
Add Comment