ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ኩሉ ማሕበረሰብ ሙስሊም ኣብ መንበሪኡ ኮይኑ ንክሰግድ ዘገድድ ሃይማኖታዊ ብይን ከምዝሃበ ተገሊፁ።
እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ቫይረስኮሮና(ኮቪድ-19) ኣመልኪቱ ሎሚ መዓልቲ ኣብዝሃቦ መግለፂ፥ ቅድመ ሐዚ ካብ ዘመሓላለፎም ውሳነታት ብተወሳኺ ካልኦት ሃይማኖታዊ ብይን(ፈትዋ) ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።
ብመሰረት እዚ፦
- ኩሉ ማሕበረሰብ ሙስሊም ኣብ መንበሪኡ ኮይኑ ንክሰግድ ዘገድድ ውሳነ
- ትካላት ጥዕናን ዝምልከቶም ኣካላትን ዝህብዎም እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ዘኽእሉ ኣንፈታት ምቕባልን ተግባራዊ ምግባርን ሃይማኖታዊ ግዴታ ከምዝኾነ
- ሰብ ሞያ ጥዕና ቫይረስ ኮሮና ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዘብፅሖ ጉድኣት ደው ከምዘበለ ክሳብ ዝገልፁ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ሰላት ጁምዓን ሰላት ጀምኣን ከእገድ
- ሙኢዝናት ኩሉ ሰብ ኣብ መንበሪኡ ኮይኑ ንክሰግድ ክዛረቡ ከምዝግባእ
- ኣብ ከተማ ይኹን ገፀር ብመልክዕ ኣኼባ ዝግበር ኣስተምህሮ ጠጠው ክብል
- ብኤድ እናተጨባበጥካ ዝግበር ሰላምታ ዝተኸልከለ ከምዝኾነ ዘገድድ ሃይማኖታዊ ብይን ከምዝተውሃበ ተገሊፁ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!