Fana: At a Speed of Life!

ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ኩሉ ማሕበረሰብ ሙስሊም ኣብ መንበሪኡ ኮይኑ ንክሰግድ ዘገድድ ሃይማኖታዊ ብይን ሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያ ኩሉ ማሕበረሰብ ሙስሊም ኣብ መንበሪኡ ኮይኑ ንክሰግድ ዘገድድ ሃይማኖታዊ ብይን ከምዝሃበ ተገሊፁ።

እቲ ቤት ምኽሪ ኣብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ቫይረስኮሮና(ኮቪድ-19) ኣመልኪቱ ሎሚ መዓልቲ ኣብዝሃቦ መግለፂ፥ ቅድመ ሐዚ ካብ ዘመሓላለፎም ውሳነታት ብተወሳኺ ካልኦት ሃይማኖታዊ ብይን(ፈትዋ)  ከምዝሃበ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ፦

  1. ኩሉ ማሕበረሰብ ሙስሊም ኣብ መንበሪኡ ኮይኑ ንክሰግድ ዘገድድ ውሳነ
  2. ትካላት ጥዕናን ዝምልከቶም ኣካላትን ዝህብዎም እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ዘኽእሉ ኣንፈታት ምቕባልን ተግባራዊ ምግባርን ሃይማኖታዊ ግዴታ ከምዝኾነ
  3. ሰብ ሞያ ጥዕና ቫይረስ ኮሮና ኣብ ልዕሊ ደቂ ሰባት ዘብፅሖ ጉድኣት ደው ከምዘበለ ክሳብ ዝገልፁ ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ሰላት ጁምዓን ሰላት ጀምኣን ከእገድ
  4. ሙኢዝናት ኩሉ ሰብ ኣብ መንበሪኡ ኮይኑ ንክሰግድ ክዛረቡ ከምዝግባእ
  5. ኣብ ከተማ ይኹን ገፀር ብመልክዕ ኣኼባ ዝግበር ኣስተምህሮ ጠጠው ክብል
  6. ብኤድ እናተጨባበጥካ ዝግበር ሰላምታ ዝተኸልከለ ከምዝኾነ ዘገድድ ሃይማኖታዊ ብይን ከምዝተውሃበ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.