ልዕሊ 1 ሚሊየን ዜጋታት ካብ ሓገዝ ናፃ ከምዝኾኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ለካቲት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ብመንግስቲን ትካላት ወሃብቲ ሓገዝን ድጋፍ ዝግበረሎም ዝነበሩ ልዕሊ 1 ሚሊየን ዜጋታት ካብ ተሓጋዛይነት ናፃ ከምዝወፅኡ ተገሊፁ።

እቶም ዜጋታት ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ብሰንኪ ከባቢ ኣየርን ፀገም ፀፅታን ካብ መረበቶም ተፈናቒሎም ዝነበሩ ኢዮም ተባሂሉ።

ዳይሬክተር ስራሕቲ ሎጂስቲክስን ኦፕሬሽንን ብሄራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ሓደጋን ስግኣትን ኣይተ ሃይዳስ ሓሰን ከምዝበልዎ፥ ኣብ 2011 ዓ.ም ካብ ዝነበሩ 8 ነጥቢ 5 ሚሊየን ተሓገዝቲ እቶም ልዕሊ 1 ሚሊየን ዜጋታት ካብ ሓገዝ ነፃ ኮይኖም ኣለዉ።

መንግስቲ ነቶም ዝተረፉ 7 ሚሊየንን 37 ሺሕን ተሓገዝቲ ዘድሊ ድጋፍ ናይ ምግባር ስራሕ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ድማ እቶም ዳይሬክተር ኣብሪሆም።

Comments (0)
Add Comment