ሩሲያን ዩክሬንን ንፈለማ እዋን ፊት ንፊት ብምርኻብ ድርድር ኣካይደን

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሩሲያን ዩክሬንን ንፈለማ እዋን ፊት ንፊት ብምርኻብ ድርድር ከምዘካየዳ ተሓቢሩ፡፡

ኣብ ኲናት ዝርከባ እተን ሃገራት ፊት ንፊት ብምርኻብ ድርድር እናገበራ ዝርከባ ብኣሸማጋልነት ኳታር ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

በቲ ፊት ንፊት ድርድር÷ ብምኽንያት ኲናት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር እተን ሃገራት ዝርከቡ ህፃናት ንምልውዋጥ ኣብ ስምምዕነት ከምዝበፅሓ ሓላዊ ንብዓት ህፃናት ሩሲያ ማሪያ ልቮቫ ቢሎቫ ተዛሪበን፡፡

ኣብ ዶሃ ድሕሪ ዝተኻየደ ድርድር÷ 29 ዩክሬናውያን ህፃናትን 19 ሩሲያውያን ህፃናትን ናብ ሃገሮም ከምዝለኣኹ ኣብ ስምምዕነት ከምዝተበፅሐ እተን ሓላዊት ንብዓት ገሊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment