ሰራዊት ምክልኻል ዓለም ለኻዊ ኩነታት ብምግንዛብ ድሕንነት ሃገር ዝሕልዉ መራሕቲ መኮንናት የፍሪ ከምዘሎ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ከም ትካል ዓለም ለኻዊ ኩነታት ብምግንዛብ ድሕንነት ሃገር ዝሕልዉ መራሕቲ መኮንናት የፍሪ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ዋር ኮሌጅ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ኣብ ኮሌጅ ፖሊ ቴክኒክ ሜጀር ጀኔራል ሙሉጌታ ዘሰልጠኖም ላዕለዎት መኮንናት ሎሚ መዓልቲ ኣመሪቑ።

መክትል ሓላፊ ዋና መምርሒ ትምህርቲን ስልጠናን እቲ ምክልኻል ሜጀር ጀኔራል ሰለሞን ቦጋለ፥ ሰራዊት ምክልኻል ዓለም ለኻዊ ኩነታት ብምግንዛብ ድሕንነት ሃገር ዝሕልዉ መራሕቲ መኮንናት የፍሪ ከምዘሎ ገሊፆም።

ሰላምን ድሕንነትን ሃገር ዝረጋገፅ ዝሰልጠነን ብኹለ መዳይ ብቕዓቱ ዝተማልአ ፍልጠት ዝወነነን መራሒ ሰራዊት እንትህሊ ኢዩ ኢሎም።

ነዚ ንምዕዋት እቲ ኮሌጅ ልዑል ኣበርክቶ ከምዘለዎ ኣረዲኦም።

ዋና ኣዛዚ እቲ ኮሌጅ ብርጋዲየር ጀኔራል ኣበበ ዋቅሹም ብግደኦም፥ እቲ ኮሌጅ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብምዃን ይሰርሕ ከምዘሎ እቶም ተመረቐቲ ኣብነት ከምዝኾኑ ኣብሪሆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment