ስፓርት

ስፓርት

ጋንታታት ትግራይ ካብ 2017 ጀሚረን ቅድሚ ኲናት ናብ ዝነበረኦ ሊግ ተመሊሰን ንኽወዳደራ ውሳነ ተመሓላሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ጋንታታት ኩዕሾ እግሪ ክልል ትግራይ ካብ 2017 ጀሚረን ቅድሚ ኲናት ናብ ዝነበረኦ ሊግ ተመሊሰን ንኽወዳደራ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ውሳነ ኣመሓላሊፉ። ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ኢትዮጵያ ብዝገበሮ ስሩዕ ኣኼባ ኢዩ፥ ጋንታታት ክልል ትግራይ ካብ 2017 ዓ.ም ጀሚሩ ሙሉእ ብሙሉእ ቅድሚ ኲናት እናተወዳደራሉ ናብ ዝነበራ ሊግ ተመሊሰን ንኽወዳደራ ውሳነ ኣመሓላሊፉ ዘሎ። ሚኒስቴር ባህሊን ስፖርትን ፌዴሪኢ ኣብ ክልል ትግራይ ብዘጋጠመ ኲናት ምኽንያት ጋንታታት እቲ ክልል ኣብ…
Read More...

ሎሚ መዓልቲ ምሸት ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ሻምፒየንስ ሊግ ውሮፓ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሎሚ መዓልቲ ምሸት ኣብ ዝካየድ ቀዳማይ ዙር ፀወታ ፍርቂ ፍፃመ ሻምፒየንስ ሊግ ውሮፓ ጋንታታት ባየርን ሙኒክን ሪያል ማድሪድን ክነሓንሓ ኢየን፡፡ ሎሚ ምሸት ካብ ሰዓት 4:00 ጀሚሩ ኣብ ሜዳ ባየር ሙኒክ ኣሊያንዝ ኣሬና ዝካየድ እንትኸውን÷ ናይ መልሲ ፀወታ ድማ ኣብ ዝቕፅል ሰሙን ኣብ ሜዳ ሪያል ማድሪድ ሳንትያጎ ቤርናባው…

ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ማራቶን ማድሪድ ተዓዊቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስፔን ማድሪድ ኣብ ዝተሳለጠ ውድድር ማራቶን ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ብክልቲኡ ተዓዊቶም። ብደቂ ተባዕቲዮ፥ ኣትሌት ምትኩ ጣፋ 2 ሰዓትን 8 ደቒቓን 58 ሰከንድን ብምእታው ተዓዊቱ። ኣትሌት ፍቅሬ በቀለ ድማ ካልኣይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድሩ ዛዚሙ። ብደቂ ኣንስቲዮ፥ ቦንቱ በቀለ ካልኣይ፣ ቀበና ጫላ ሳልሳይ ደረጃ…

ማንቸስተር ሲቲ ንኖቲንግሃም ፎረስት ብምስዓር ተዓዊታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ማንቸስተር ሲቲ ንኖቲንግሃም ፎረስት 2 ን 0 ብምስዓር ተዓዊታ። ሰዓት 12:30 ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ ካብ ሜዳኣ ወፃእ ዝተጫወተት ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ወሳኒ ሰለስተ ነጥቢ ሒዛ ተመሊሳ። በዚ ድማ ሓደ ተስተኻኻ ፀወታ እናተረፋ ምስ መሪሕ እቲ ሊግ ጋንታ ኣርሰናል ዘለዋ አፈላላይ ነጥቢ…

ትፅቢት ዝተገበረሉ ፀወታ ለንደን ደርቢ ብዓወት ጋንታ ኣርሰናል ተዛዚሙ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ0፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ትፅቢት ዝተገበረሉ ፀወታ ለንደን ደርቢ ኣርሰናል ንቶተንሃም 3 ን 2 ብዝኾ ውፅኢት ስዒራ፡፡ ካብ ሰዓት 10 ጀሚሩ ኣብ ዝተኻየደ ፀወታ÷ ኣርሰናልን ንኽትዕወት ቡካዮ ሳካ፣ ካይ ሃቨርተስን ሆይቤር (ኣብ ናይ ባዕሉ ሸቶ)ን ኣመዝጊቦምወን፡፡ ንቶተንሃም ካብ ስዕረት ዘየድሐና ሸቶታት ድማ÷…

ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ዳይመንድ ሊግ ሻንጋይ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዚያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ኣብ ዳይመንድ ሊግ ሻንጋይ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ራብዓይ ደረጃ ብምሓዝ ተዓዊተን። ኣብ ውድድር 5 ሺሕ ሜትሮ፥ ኣትሌት መቅደስ ዓለምሸት ቀዳመይቲ ብምዃን ተዓዊታ። ኣትሌት ኣያል ዳኛቸው፣ ለተሰንበት ግደይን ውብርስት ኣስቻለን ብቕደም ሰዓብ ካብ ካልኣይ ክሳብ ራብዓይ ደረጃ ብምሓዝ…

ኣትሌት መዲና ኢሳ ብትሕቲ 20 ዓመት ውድድር ጒያ 5 ኪሎ ሜትሮ ክብረ ወሰን ዓለም ሰይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት መዲና ኢሳ ኩባኒያ ኣዲዳስ ኣብ ዘሰናደኦ ትሕቲ 20 ዓመት ውድድር ጒያ 5 ኪሎ ሜትሮ ክብረ ወሰን ዓለም ብምስባር ተዓዊታ። እታ ጓል 19 ዓመት ኣትሌት፥ ነቲ ርሕቐት ብ14 ደቒቓን 38 ሰከንድን ብምዝዛም ኢያ ተዓዊታ። ኣትሌት መልክናት ውዱ ካልአይቲ፣ ፎቲየን ተስፋይ ሳልሰይ ደረጃ ብምሓዝ ውድድረን ዛዚመን።…