ብውሑዱ ሓደ ቢሊየን መረፅቲ ዝሳተፉሉ መረፃ ህንዲ ምክያድ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሓደ ቢሊየን ዝኾኑ ህንዳውያን ድምፂ ክህብሉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ዝግበረሉ ሓፈሻዊ መረፃ ህንዲ ይካየድ ኣሎ፡፡

ብቢሊየን ዝቑፀሩ ኣድመፅቲ ብምትእንጋድ ኣብ ዓለም ቀዳማይ ስፍራ ዝሕዝ መረፃ ህንዲ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 1 ሰነ 2024 መዛዘሚ ከምዝረክብ ተገሊፁ፡፡

ኣብቲ መረፃ ቀዳማይ ሚኒስትር ናሬንድራ ሞዲ ንሳልሳይ ግዘ ንምስዓር እናተወዳደሩ ከምዝኾኑ ዝተገለፀ እንትኸውን÷ ተናሓናሕቲ ፓርቲታት ህንዲ ንቀዳማይ ሚኒስትር ሞዲ ንምስዓር ውህደት ፈጢሮም እናተናሓንሑ ከምዝርከቡ ተገሊፁ፡፡

ቀዳማይ ሚኒስትር ናሬንድራ ሞዲ እንተስዒሮም ካብ ነበር ቀዳማይ ሚኒስትር ህንዲ ጃዋህራል ኔይሩ ብምቕፃል ንሰለስተ ዙር ብቀዳማይ ሚኒስትርነት ዝተመረፁ ሰብ ክኾኑ ኢዮም፡፡

ውፅኢት እቲ መረፃ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 4 ሰነ ንህዝቢ ዕላዊ ከምዝግበር ቢቢሲ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment