ኔማር ብዘጋጠሞ ጉድኣት ካብ 8 ክሳብ 10 ኣዋርሕ ካብ ፀወታ ክርሕቕ ከምዝኽል ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብራዚላዊ ኮኸብ ኔማር ጁኒየር ብዘጋጠሞ ጉድኣት ካብ 8 ክሳብ 10 ኣዋርሕ ካብ ፀወታ ክርሕቕ ከምዝኽእል ተገሊፁ፡፡

ጉድኣት እቲ ኔማር 90 ሚሊየን ዩሮ ፈሰስ ብምግባር ነቲ ተፃዋቲ ካብ ፒ ኤስ ጂ ንዘፈረመቶ ጋንታ ስዑድ ዓረብ ኣል ሂላል ዘሕዝን ዜና ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ወዲ 1 ዓመት ተፃወታይ ክፍሊ ምጥቃዕ ኔማር÷ ኣብ መፃረዪ ፅዋዕ ዓለም ብራዚል ምስ ኡራጓይ ኣብ ዝገበረኦ ፀወታ ተፃዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ኡራጓይ ኒኮላስ ዲ ላ ክሩዝ ብዘብፀሐሉ ፅዕንቶ ሚዛን ብዘይ ምሕላዉ ልዑል ናይ መገጣጠሚ ጉድኣት ኣጋጢሙዎ፡፡

ብዓወት ኡራጓይ ኣብ ዝተዛዘመ ፀወታ ሞንቶቪዶ÷ ኔማር ቅድሚ ዕረፍቲ ብዘጋጠመ ጉድኣት ብስምዒት ሓዘን ካብ ሜዳ ወፂኡ፡፡

ቢቢሲ ስፖርት ሎሚ ኣብ ዘውፀኦ ፀብፃብ ድማ ተፃዋታይ ጋንታ ኣል ሂላልን ብራዚን ኔማር ጁኒየር ሕክምና መጥባሕቲ ክግበረሉ ኢዩ ዝተብሃለ እንትኸውን÷ በቲ ጉድኣት ካብ 8 ክሳብ 10 ኣዋርሕ ካብ ሜዳ ክርሕቕ ከምዝኽል ተመልኪቱ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment