ኢትዮጵያን ሩሲያን ኣብ ሓይሊ ኒኩሌር ስምዕነት መረዳድኢ ተፈራሪመን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 8 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒሰስቴር ኢኖቬሽንን ቴክኖሎጂን ፌዴሪኢን ኮርፖሬሽን ሓይሊ ኣቶሚክ ሩሲያን ኣብ ሓይሊ ኒኩሌር ስምዕነት መረዳድኢ ተፈራሪሞም።

እቲ ስምምዕነት ኣብ ሓይሊ ኒውክሌር ፅቡቕ ግንዛበ ማሕበረሰብ ንምዕባይን ስልጠና ንመሃብን ከምኡ እውን ክእለት ንምድንፋዕ ዘኽእል ሓገዝ ንመሃብ ዝዓለመ ከምዝኾነ ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ሩሲያ ኣለማየሁ ተገኑን ምክትል ዳይሬክተር ሓይሊ ኣቶሚክ ሩሲያ ኒኮላይ ስፓስኪን ነቲ ስምምዕነት ፈራሪሞምዎ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment