ኢትዮጵያውያን ኣብ ዓድዋ ዘርኣይዎ ዘመን ተሻጋሪ ዓወት ግድብ ህዳሰ ብምዝዛሞ ናይ ሎሚ ትውልዲ ክደግሞ ይግባእ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21  ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ቀደም ኢትዮጵያውያን ኣብ ዓድዋ ዘርኣይዎ ዘመን ተሻጋሪ ዓወት ህንፀት ግድብ ህዳሰ ብምዝዛሞ ናይ ሎሚ ትውልዲ ንክደግሞ ፃውዒት ቀሪቡ።

ሚኒስትር ማይ፣ መስኖን ኢነርጂን ዶክተር ኢንጂነር ስለሺ በቀለ፥ እዋናዊ ኩነታት ህዳሰ ግድብ ብዝምልከት ካብ 15 ስቴትስ ኣሜሪካ ንዝተውፃእፅኡ ወገናት መብርሂ ሂቦም።

ህንፀት እቲ ግድብ 78 ሚኢታዊ ከምዝተዛዘመ ብምግላፅ፥ እቲ ስራሕ ብልዑል ሃገራዊ ስምዒት ሃገራዊ ፍቕሪ ይካየድ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ሃገራት ተፋሰስ እንተይጎድአት ተፈጥሮኣዊ ሃፍታ ምልማዕ ክትቅፅል ኢያ ኢሎም።

እዚ ኩርዓት ሃገር ዝኾነ ፕሮጀክት ኣብ መላእ ዓለም ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን፥ ኣብ ዓድዋ ዘርኣይዎ ዘመን ተሻጋሪ ዓወት እቲ ግድብ ብምዝዛሞ ናይ ሎሚ ትውልዲ ክደግሞ ይግባእ ኢሎም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኣመሪካ ፍፁም ኣረጋ ብግደኦም፥ ኢትዮጵያውያን ብምትሕብባር ዝተጀመረ ደገፋት ገንዘብ፣ ኣድቮኬሲን ሙያን ናይ ምትሕብባር ስራሕ ኣጠናኺርካ ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment