ኢትዮጵያ ኣባል ቤት መኽሪ ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል ኣቪዬሽን ብምዃን ተመሪፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ ኣባል ቤት መኽሪ ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል ኣቪዬሽን ብምዃን ተመሪፃ።

193 ሃገራት ብኣባልነት ዝሓዘ እቲ ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል ኣቪዬሽን ኣብ ካናዳ ሞንትሪያል ጉባኤኡ ኣካይዱ።

ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ዳግማዊት ሞገስ ንኢትዮጵያ ብምውካል ኣብቲ ጉባኤ ተሳቲፈን።

ኣብቲ ጉባኤ ድማ ኢትዮጵያ ኣባል ቤት መኽሪ ዓለም ለኸ ትካል ሲቪል ኣቪዬሽን ብምዃን ከምዝተመረፅ እተን ሚኒስትር ገሊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment