ኣብ መበል 45 ዓለም ለኸ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ሃገር ኣቋራፂ ንዝተሳተፉ ኣትሌታት ኣቀባብላ ተገይሩሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሰርቢያ ቤልግሬድ ኣብ ዝተሳለጠ መበል 45 ዓለም ለኸ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ሃገር ኣቋራፂ ንዝተሳተፉ ኣትሌታት ኣብ ዓለም ለኻዊ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ኣቀባብላ ተገይሩሎም።

ሚኒስትር ዴኤታ ባህልን ስፖርትን ኣምባሳደር መስፍን ቸርነትን ረዳት ኮሚሽነር ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ነቲ ጉጅለ ኣትሌቲክስ ኣቀባብላ ገይረሙሉ።

ብተወሳኺ ኣመራርሓ መገዲ ኣየር ኢትዮጵያ፣ ኮሚቴ ኦሎምፒክ ኢትዮጵያን ካልኦት ኣመራርሓ ፌዴሬሽንን ነቶም ኣትሌታት ኣቀባብላ ከምዝገበሩ ኣብ ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኢትዮጵያ ኣብ ሰርቢያ ቤልግሬድ ኣብ ዝተሳለጠ መበል 45 ዓለም ለኸ ሻምፒዮና ኣትሌቲክስ ሃገር ኣቋራፂ፥ 14 ደቂኣንስቲዮ ዝርከበኦም 28 ኣትሌታት ከምዝተወከለት ይዝከር።

ብመሰረት እዚ ኣብቲ ውድድር፥ ክልተ ወርቂ፣ ሽዱሽተ ብሩርን ክልተ ነሓስን ብሓፈሻ 10 ሜዳሊያታት በምእካብ ካብ ዓለም ካልአይይ ደረጃ ብምሓዝ ነቲ ውድድር ዛዚማ።

Comments (0)
Add Comment