ኣብ ሪጋ ዝተኻየደ ናይ ጎደና ጉያ ንዝተሳተፉ ኣትሌታት ኣፍልጦን ሽልማትን ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ላቲቪያ ሪጋ ዝተኻየደ ውድድር ጉያ ጎደና ንዝተሳተፉ ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌታት ኢትዮጵያ መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ሽልማትን ተኻይዱ

ኣብ ሪጋ ውድድር ጉያ ጎደና ዓለም ዝተሳተፉ ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ን ሎሚ ኑጉሆ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣቲዮም፡፡

እቶም ልኡኻት ኣብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ እንትበፅሑ ሚኒስትር ዴኤታ ባህሊን ስፖርትን ኣምባሳደር መስፍን ቸርነትን ፕሬዚዳንት ፌዴሬሽን ኣትሌቲክስ ረ/ኮሚሽነር ደራርቱ ቱሉ ኣቀባብላ ገይሮሙሎም፡፡

ብምቕፃል ድማ ኣብ ላቲቪያ ሪጋ ውድድር ጉያ ጎደና ዓለም ንዝተሳተፉ ኣትሌታት ኣብ ሆቴል ስካይ ላይት መርሃ ግብሪ ኣፍልጦን ሽልማትን ተኻይዱ፡፡

ኢትዮጵያ ኣብቲ ውድድር ክልተ ወርቂ፣ ኣርባዕተ ብሩርን ሓደ ነሓስን ሜዳልያታት ብምርካብ 2ይ ደረጃ ብመሓዝ ምዝዛማ ይፍለጥ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment