ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ዓወት ቀኒዑዋ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ዓወት ቀኒዑዋ።

ቀዳማይ ሰሙን ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ 2016 ዓ.ም÷ ትማሊ ኣብ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ተጀሚሩ፡፡

ኣብ መኽፈቲ ፀወታ እቲ ሊግ÷ ጋንታታት ኣዳማ ከተማን ኢትዮጵያ ንግድ ባንክ ተራኺበን 0 ን 0 ብዝኾነ ማዕረ ውፅኢት ዛዚመን፡፡

ጋንታታት ኢትዮጵያ ቡናን ሲዳማ ቡናን ኣብ ዝገበረኦ ፀወታ ድማ ኢትዮጵያ ቡና 1 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ተዓዊታ፡፡

ብሕታዊት ሸቶ ጋንታ ኢትዮጵያ ቡና ኤርሚያስ ሹምበዛ ኣመዝጊቡዋ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment