ኣብ ትካላት ጥዕና ዝሰርሑ 65 ሰባት ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኸቦም ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ኣፍሊጠን

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጉንበት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕዚ 49 ሰብ ሞያታትን 16 ሓገዝ ወሃብቲ ሰራሕተኛታትን ቫይረስ ኮሮና ከምዝተረኸቦም ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊጠን።

እቶም ሰብ ሞያታት መብዛሕተኦም ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከቡ ትካላት ጥዕና እናሰርሑ ዝነበሩ ምዃኖም ገሊፀን።

ሰብ ሞያታት ጥዕናን ሰራሕተኛታት ትካላት ጥዕናን ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምዕጋት ዝገብሩዎ ዘለዉ ቃልሲ ምስጋና ኣቕሪበን።

መንግስቲ ኣብ ትካላት ጥዕና ዝርከቡ ሰራሕተኛታት ተቓላዕነቶም ንምንካይ ካብ ዝገብሮ ስራሕ ብተወሳኂ ሕብረተሰብ ንባዕሉ ብምሕላው ፅዕንቶ እቶም ሰብ ሞያታት ንኽንኪ ሓቲተን።

ምስ እዚ ተተሓሒዙ ብፍላይ ድማ ሕብረተሰብ ዝርገሐ እቲ ቫይረስ ንምዕጋት ዝምጥን ጥንቃቐ ዘይምግባሩ ከምዘተሓሳሰቦን እተን ሚኒስትር ተዛሪበን።

“ጥንቃቐ ክንገብር ዝግበአና ትእዛዝ ሰብ ሞያታት ጥዕና ንምኽባር ዘይኮነስ፤ ንባዕልናን ንንፈትዎም ወገናትና ኢልና ክኸውን ይግባእ” ክብላ ኣተሓሳሲበን።

ፍልፍል፡- ግዜኢ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment