ኣብ ኢትዮጵያ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 150 ሰባት እንትርከቡ 1 ሰብ ድማ ህይወቱ ስኢኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ኣብ ልዕሊ 5 ሽሕን 141 ሰባት ብዝተገበረ ምርመራ ላቦራቶሪ ብቫይረስ ኮሮና ዝተተሓዙ ተወሰኽቲ 150 ሰባት ከምዝተረኸቡ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

ሓደ ሰብ ድማ ህይወቱ ከምዝሰኣነ ተገሊፁ።

በቲ ቫይረስ ምትሓዞም ካብ ዝተረጋገፁ እቶም 147 ሰባት ኢትዮጵያውያን እንትኾኑ፥ ሰለስተ ድማ ዜግነቶም ወፃኢ ዓዲ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ጥዕና ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ዕድሚኦም ካብ 3 ክሳብ 72 ምዃኖም ዝገለፃ ዶክተር ሊያ፥ ፀታኦም ድማ 94 ደቂ ተባዕቲዮ 56 ድማ ደቂ ኣንስቲዮን ከምዝኾኑ ሓቢረን።

እቲ ቫይረስ ካብ ዝተረኸቦም ሰባት 123 ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ካብ ክልል ትግራይ፣ 2 ሰብ ካብ ክልል ኦሮሚያ፣ 13 ካብ ክልል ኣምሓራ፣ 3 ካብ ክልል ደቡብ ከምኡ̕ውን ሓደ ሰብ ካብ ክልል ዓፋር 6 ሰባት ድማ ካብ ክልል ሶማሌ ከምዝኾኑ እተን ሚኒስትር ኣፍሊጠን።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ ብዝተገበረ ምርመራ ቁፅሪ እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም ሰባት 1 ሺሕን 636 ከምዝበፅሐ ዶክተር ሊያ ታደሰ ገሊፀን።

ብኻሊእ መዳይ ብኻሊእ ሕማም ክትትል ሕክምና እናተገበረሉ ዝነበረን ኣብ ፅኑዕ ሕክምና ዝፀንሐን ሓደ ወዲ 30 ዓመት ተሓከሚ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

ብሓፈሻ በቲ ቫይረስ ተለኺፎም ህይወቶም ዝሓለፉ ሰባት ናብ 18 ክብ ክብል ክኢሉ ኣሎ።

ኣርባዕተ ሰባት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብቲ ሕማም ዝሓሾም እንትኸውን፥ ኣብ ኢትዮጵያ ክሳብ ሐዚ 250 ሰባት ከምዝሐሾም ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment