ኣብ 41 ዓመቱ ቅልጡፍ ሰዓት ማራቶን ዘመዝገበ ኣትሌት – ቀነኒሳ በቀለ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ኣብ ለንደን ኣበ ዝተኻደ ውድድር ማራቶን  ልዕሊ 40 ዓመት ዝኾኖም ኣትሌታት ካብ 2019 ንደሓር ቅልጡፍ ሰዓት ብምምዝጋብ ናእዳ ረኺቡ፡፡

ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ማራቶን ለንደን 2 ሰዓት 4 ደቒቕን 15 ሰከንድን ብምእታው ካልኣይ ደረጃ ብመሓዝ ዛዚሙ፡፡

ኣትሌቲክስ ዓለም÷ እቲ ኣትሌት ዝኣተወሉ ሰዓት ድሕሪ 2019 ልዕሊ 40 ዓመት ዝኾኖም ኣትሌታት እንትምዝገብ ፈላማይ ከምዝኾነ ብምግላፅ ናእዳኡ ገሊፁ፡፡

ኣትሌት ቀነኒሳ ኣበ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ውድድር ማራቶን ቫሌንሲያ 2 ሰዓት 4 ደቒቕን 19 ሰከንድን ምእታዉ ዝዝከር እንትኸውን÷ ኣብ ማራቶን ለንደን ድማ እዚ ሰዓት ብ ኣርባዕተ ሰከንድ ኣመሓይሹዎ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment