ኤዲን ሃዛርድ ጫማኡ ሰቒሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ነበር ተፃዋቲ ጋንታታት ቼልሲ ሪያል ማድሪድ ኤዲን ሃዛርድ ኣብ 32 ዓመቱ ንባዕሉ ካብ ኩዕሾ እግሪ ምግላሉ ኣፍሊጡ፡፡

ሃዛርድ÷ ናብ ጋንታ ሪያል ማድሪድ ድሕሪ ምፅምባሩ ብዘጋጠሙዎ ተደጋገምቲ ጉድኣታት ናይ ምስላፍ ዕድል ምስኣኑ ይፍለጥ፡፡

ዋላ እኳ ዝተረፈ እዋን ኮንትራት የሃልዎ እምበር ካብ ጋንታ ሪያል ማድሪድ ብስምምዕነት ከምዝተፈላለየ ተገሊፁ፡፡

ሃዛርድ ብፍላይ ካብ ጋንታ ምዕራብ ለንደን ቼልሲ ዕዉት ዝበሃል እዋን ዘሕለፈ እንትኸውን፥ ‘ወርቃዊ’ ዝተባህለን ብውፅት ዘይተዓጀበን ኣባል ሃገራዊት ጋንታ ቤልጂየም እውን ነይሩ።

ካብ ቼልሲ ምስተፈላለየ ብስፔናዊት ጋንታ ማድሪድ ክንዲ እቲ ዝተሓሰበ ግልጋሎት ኣየሃብ እምበር ምስታ ጋንታ ፅዋዕ ቻምፒየንስ ሊግን ላ ሊጋ ስፔንን ሓዊሱ ሸሞንተ ፅዋዓት ከልዕል ክኢሉ ኢዩ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment