ኤጀንሲ ልምዓት ፋይናንስ ኢትዮጵያ ስርሑ ብዕሊ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ግንቦት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤጀንሲ ልምዓት ፋይናንስ ኢትዮጵያ ስርሑ ብዕሊ ከምዝጀመረ ኣፍሊጡ።

እቲ ኤጀንሲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ፥ እቲ ዓውዲ ፋይናንስ ኣብ ኢትዮጵያ ተበፃሒ፣ ኣካታቲን ዘላቒን ዝኾኑ ዕዳጋታት ፋይናንስ ክብ ንምባል ከምኡወነ መዕባለ ኢኮኖሚ ንምምፃእ ከምዝሰርሕ ገሊፁ።

ብተወሳኺ ሜላታት ስርዓት ዕዳጋ  ብምጥቃም ለውጢ ስርዓት ዓውዲ ፋይናንስ ኢትዮጵያ ዘተባብዕ ኢዩ።

ሚኒስትር ገንዘብ ኣይተ ኣሕመድ ሸዴ፥ እቲ ኢጀንሲ ኣብ ስርዓት ፋይናንስ ዘነፀላለዉ ፀገማት ንምቕራፍ ዝገብሮ ገድፍ ከምዘተባብዑ ገሊፆም።

ብፍላይ ዓውዲ ፋይናንስ ኣብ ኢትዮጵያ ተበፃሒ፣ ኣካታቲን ዘላቒን ዝኾኑ ዕዳጋታት ፋይናንስ ክብ ንምባል ከምኡውን ምዕባለ ኢኮኖሚ ንምምፃእ ኣብ ዘኽእል ኩነታት ጠንካራ ንክኸውን ንምክግባር ኣስተዋፅኦ ከምዝገብር ዘለዎም እምነት ገሊፆም።

ብምንይችል ኣዘዘው

Comments (0)
Add Comment