ካቢኔ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተወሳኺ 500 ሚሊየን ብር ፈንድ ሪቮልቪንግ ፈቒዱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 28 ሕዳር፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ካቢኔ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ መሰረታዊ ሃለቕቲ ፍርያታት ንምቕራብን ዋጋ ዕዳጋ እኽሊ ንምርግጋዕን ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝገበሮ ልቓሕ ብተወሳኺ 500 ሚሊየን ብር ፈንድ ሪቮልቪንግ ፈቒዱ።

ካቢኔ እቲ ምምሕዳር ከተማ 20 ሕዳር 2014 ዓ.ም ኣብ ቀዳማይ ዓመት ካልኣይ ስሩዕ ኣኼቡኡ ዝተፈላለዩ ውሳነታት ኣመሓላሊፉ፡፡

ካብ ሞንጎ እቶም ውሳነታት፡-

  1. ሆፕ ፎር ችልድረን ኦርጋናይዜሽን አውስትራሊያ ሊሚትድ ዝተብሃለ ትካል ገባሪ ሰናይ ተባለው ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ የካ ወረዳ 1 ብ600 ሚሊየን ብር ኣጠቓቕማ መሬት በዓል ብዙሕ ኣገልግሎት ዝኾነ ቦታ፤ ወለዲን ደጋፊን ንዘይብሎም ህፃናት ማእኸል ልህቀት ንምህናፅ ብልምዓት መሬትን ምምሕዳርን ዝቐረበ ውሳነ መበገሲ ብምግባር÷ እቲ ትካል ስርሑ ዛዚሙ ናብ ተግባር እንትኣቱ ዝህቦ ሃገራዊ ረብሓ ኣብ ግምት ብምእታው ዝተዳለወ ቦታ ቅድሚ ሕዚ መንግስታዊ ብዘይኮኑ ትካላት ኣብ ዝተኣናገዱሉ መሰረተ ልምዓት ንኽተኣናገዱ እቲ ካቢኔ ውሳነ ኣመሓላሊፉ።
  2. ኣብ ከልላት ሶማሌን ኦሮሚያ ዞባ ቦረናን ብምኽንያት ሕፅረት ዝናብ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ከባቢታት ናይ 100 ሚሊየን ብር ሓገዝ ዓይነት ውሳነ ኣመሓላሊፉ፡፡

ብመሰረት እዚ ብር 50 ሚሊየን ንክልል ሶማሌ፤ እቲ 50 ሚሊየን ብር ድማ ንዞባ ቦረና ናይ ሓይነት ሓገዝ ንኽግበርን እዚ ተግባር ዘፈፅሙ ኣባላት ካቢኔ ኮሚቴ ሾይሙ፡፡

  1. እቲ ምምሕዳር ከተማ ኣብ ትሑት መነባብሮ ንዝርከቡ ነበርቲ ተረባሕቲ ንዝገብር ኣቕሑት መሰረታዊ ሃልኪ ዝውዕል ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ሸመትቲ ሕፅረት ካፒታል ንምፍታሕ፣ ፍርያት መሰረታዊ ሃልኪ ንምቕራብን ዋጋ ዕዳጋ እኽሊ ንምርግጋዕን እቲ ምምሕዳር ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝገበሮ ናይ 500 ሚሊየን ብር ድጎማ ብተወሳኺ ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ሸመትቲ ዩኔናት ፍርሓት ሕርሻ ዘቕርቡሉ ፤ልቓሕ ምቕራብ ኣድላዪ ስለዝኾነ፤ ንመዕደጊ ጣፍን ስርናይን ዝውዕል 500 ሚሊየን ብር ፈንድ ሪቮልቪንግ ዝተፈቐደ እንትኸውን÷ ከይዲ ዕድጊት ድማ ማሕበራት ሕብረት ስራሕ ሸመትቲ ብቐጥታ ካብ መሰረታዊ ማሕበራት ፍረይቲ ንኽፍፅሙ እቲ ካቢኔ ወሲኑ፡፡

ፍልፍል፦ ፕሬስ ሴክሬቴሪያት ኣዲስ ኣበባ

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment