ደቡብ አፍሪካዊ ተፃዋታይ ኩዕሾ እግሪ ናይ መኪና ስርቂ ብዝፍፅሙ ገበነኛታት ከምዝተቐተለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ተፃታይ ክፍሊ ምክልኻል ሃገራዊት ጋንታ ደቡብ ኣፍሪካን ጋንታ ካይዘርን ዝኾነ ሉክ ፍሉርስ ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ናይ መኪና ስርቂ ብዝፍፅሙ ገበነኛታት ከምዝተቐተለ ተገሊፁ።

ጋንትኡ ከምዝሓረቶ÷ ወዲ 24 ዓመት ተኻኻላይ ኣብ ከተማ ጆሃንስበርግ ሆንዲው ኣብ ዝተብሃለ ሰፈር መኪናኡ ንምምላእ እናተፀበየ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዝተተኮሰ ጥይት ህይወቱ ሓሊፉ።

ኣቐባሊ ቃል ፖሊስ ደቡብ ኣፍሪካ ቃል ማቬላ ማሶንዶ÷ እቲ መጥቃዕቲ መኪናኡ ንምውሳድ ብዝደልዩ ሸፋቱ ዝተፈፀመ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ናይቲ ተፃታይ መኪና ሒዞም ዝሃደሙ ሸፋቱ ንመሓዝ ፖሊስ ክትትል እናገበረ ከምዝርከብ እውን ተዛሪቦም።

ሉክ ፍሉርስ ቅድሚ ሕዚ ንሃገራዊት ጋንታ ደቡብ ኣፍሪካ ብምውካል ኦሊምፒክ ቶኪዮ ትሕቲ 23 ዓመት ምስ ሃገራዊት ጋንታ ብምዃን ተፃዊቱ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ገበን ስርቂ መኪና ካብ እዋን ናብ እዋን እናተጋደደ ምምፅኡ ዝተገለፀ እንትኸውን÷ እቲ መንእሰይ ተፃዋታይ ግዳይ እዚ ገበን ከምዝኾነ ኣፍሪካ ኒውስ  ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment