ፀወታታት ርብዒ ፍፃመ ሻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ ምሸት ክካየዱ ኢዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀወታታት ርብዒ ፍፃመ ሻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ሎሚ ምሸት ክካየዱ ኢዮም።

ኣብቲ ናይ ሎሚ መዓልቲ ፀወታ፥ ኣርሰናል ምስ ባየር ሙኒክ ከምኡወን ሪያል ማድሪድ ምስ ማንቸስተር ሲቲ ፀወተአን ከምዘካይዳ እቲ ዝወፅአ መርሃ ግብሪ የረድእ።

ልዑል ነጥቢ ብምውህላል መራሕቲ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ዘለዉ ኣርሴናል፥ ሎሚ ምሸት ሰዓት 4 ምስ ባየር ሙኒክ ኣብ ኢምሬትስ ዝገብርዎ ፀወታ ለዑል ትፅቢት ተገይሩሉ ኣሎ።

ክልቲኦም ጋንታታት ቅድመ ሐዚ ኣብ ሻምፒዮንስ ሊግ ኣውሮፓ ተራኺቦም ኣብ ዝገበርዎ ፀወታ፥ ባየር ሙኒክ 7 ጊዜ ብምዕዋት ፀብለልትኡ ኣርእዩ ኢዩ።

ኣርሴናል ኣብ ሰለስተ ፀወታታት እንትዕወት ዝተረፋ ክልተ ፀወታታት ድማ ብማዕረ ተፈላሊዮም።

ብተመሳሳሊ ሎሚ ምሸት ሰዓት 4 ኣብ ዝካየድ ፀወታ፥ ማንቸስተር ሲቲ ናብ ስፔን ብምጉዓዝ ኣብ ሳንቲያጎ በርናባ ምስ ሪያል ማድሪድ ክጋጠም ኢዩ።

Comments (0)
Add Comment