ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ናይ ዚ ሰሙን ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ሎሚ ምሸት ከተኣናግድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዚ ሰሙን ትፅቢት ዝግበረሉ ፀወታ ፕሪሚየር ሊግ እንግሊዝ ሎሚ ምሸት ክካየድ ኢዩ።

መበል 30 ሰሙን ፀወታታት እቲ ሊግ ሎሚ ምሸት ቀፂሎም እንትካየዱ÷ ኣብቲ ሊግ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ዝርከባ ጋንታታት ዝገብረኦ ፀወታ ትፅቢት ይግበረሉ።

64 ነጥቢ ብመሓዝ እናመርሐት ትርከብ ጋንታ ኣርሴናል 63 ነጥቢ ብመሓዝ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ምስ ትርከብ ጋንታ ማንቸስተር ሲቲ ምሸት 12:30 ክራኸባ ኢየን።

ምስ ኣርሴናል ማዕረ 64 ነጥቢ ብመሓዝ ብሸቶ ተበሊፃ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትርከብ ጋንታ ሊቨርፑል ኣብ ሜዳኣ ንጋንታ ብራይተን ኤንድ ሆቭ ኣልቢዮን ክተተኣናግድ ኢያ።

ትማሊ ኣብ ዝተኻየዱ ፀወታታት÷ ኒውካስል ዩናይት ንዌስትሃም ዩናይትድ 4 ን 3፣ በርንማውዝ ንኤቨርተን 2 ን 1፣ ቶተንሃም ሆትስፐር ንሉተን ታውን 2 ን 1፣ ኣስቶን ቪላ ንዎልቨር ሃምፕተን ዎንደረርስ 2 ን 0 ብዝኾነ ውፅኢት ስዒረን።

ብሬንትፎርድ ምስ ማንቸስተር ዩናይትድ 1 ን 1፣ ኖቲንግሃም ፎረስት ምስ ክሪስታል ፓላስ 1 ን 1፣ ቼልሲ ምስ በርንሌይ 2 ን 2፣ ሼፊልድ ዩናይት ምስ ፉልሃም 3 ን 3 ብዝኾነ ማዕረ ውፅኢት ተፈላሊየን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment