ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራልን ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያን ኣብ ሃገራ መረፃ እድሂቦም ተዛትዮም

አዲስ አበባ፣ ጥር 22፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራልን ብሄራዊ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያን ኣብዚ ዓመት ዝካየድ ሃገራ መረፃ እድሂቦም ተዛትዮም።

እቲ ዘተ ትካላዊ ናፅነቶምን ዘይሻራዊነቶምን ተሓሊዩ ኣብ ቅድመ ምድላው ሃገራዊ መረፃን ኣብ ድንጋገታት “ኣዋጅ መረፃን ፓርቲታት ፖለቲካን” ንፁር ግንዛበ ንመሓዝ ዝዓለመ ከምዝኾነ ካብ ዳይሬክቶሬት ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ትሕዝቶን ኣፈፃፅማን ኣዋጅ መረፃን ፓርቲታት ፖለቲካን ቁፅሪ 1162/2011፣ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ዝኽእሉ ጉዳያት ዓይነትን ባህሪን፣ መረፃን ተተሓሓዝነት ዘለዎም ጉዳያትን ዝምልከቱ ችሎታት ዝዋደዱሉ ኣግባብን ከምኡ እውን ንዳይናታት ስልጠና ምሃብን ዝብሉ ዛዕባታት ኣብቲ ዘተ ከምዝተልዓሉ ተገሊፁ።

ብተወሳኺ ኣብያተ ፍርዲ ምስ መረፃ ተተሓሒዞም ንዝቐርቡ ቅርታታት ዝህቡዎም ውሳነታት እምነት ህዝቢ ንኽህልዎም፥ ብፍላይ ድማ ምስ ቆፀራን ውፅኢትን ድምፂ ተተሓሒዞም ናብ ቤት ፍርዲ ዝቐርቡ ስምዕታታት ኣብ ሓፂር ግዘ ብይን ኣብ ዝረኽቡሉ ኩነታት ከምኡ እውን ከይዲ መረፃ ፍትሓዊነት ዘረጋግፅ ንኸውን ክውሰድ ኣብ ዝግበኦ ጥንቃቐ ኣድሂቦም ተዛትዮም።

ዳይናታትን መፈፀምቲ መረፃን፥ ኣብ ጉዳያት ኣፈፃፅማን መረፃ ሰፊሕን ዝሐሸን ልምዲ ምስ ዘለወን ሃገራት ኣፍሪካ ብፍላይ ብመንፅር ቤት ፍርዲ ፅቡቕ ተሞክሮ ዝረጀኽቡሉ ዕድል ብቦርድ መረፃ ንኽመዓራረየሎም ኣንፈት ተቐሚጡ ኢዩ።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment