ኣብ ኣማላዊ ብዘጋጠመ ከቢድ ኣውሎ ንፋስ ህይወት 447 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 መጋቢት፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ደቡባዊ ኣማላዊ ብዘጋጠመ ከቢድ ኣውሎ ንፋስ ህይወት 447 ሰባት ከምዝሓለፈ ተገሊፁ።

ትማሊ ዕለት ብኣቆፃፅራ ሰዓት ማላዊ ከባቢ ሰዓት 7 ዘጋጠመ ከቢድ ኣውሎ ንፋስ (ሳይክሎን) ኣብ ልዕሊ ዜጋታት እታ ሃገር ልዑል ጉድኣት ኣብፂሑ፡፡

ኣብ ደቡባዊ ማላዊ ብዘጋጠመ ሓደጋ ቁፅሪ መወትቲ 447 ዝበፅሐ እንትኸውን፥ ልዕሊ 362 ሺሕ ዜጋታት ከምዝተመዛበሉ እውን ተገሊፁ፡፡

ቢሮ ጉዳያት ምምሕዳር ስግኣት ሓደጋ እታ ሃገር፥ በቲ ሓደጋ ተወሰኽቲ 918 ዜጋታት ከምዝቖሰሉን 282 ሰባት ናብ ዝኣተዉዎ ከምዘይተፈለጠን ኣፍሊጡ፡፡

ሰራዊት ምክልኻል ማላዊ፣ ኣባላት ፖሊስን ሰራሕተኛታት መድሕን ህይወትን ዜጋታት ንምድሓን ርብርብ እናገበሩ እንትኾኑ፥ ሰራሕተኛታትን ናውቲ ሕክምናን ጉድኣት ናብ ዘጋጠመሉ ከባቢ እናብፅሑ ይርከቡ ተባሂሉ፡፡

ፕሬዚዳንት ማላዊ ላዛሩስ ቻክዌራ  ነቲ ሓደጋ ብዘቕረቡዎ ፃውዒት ሓገዝ መሰረት ብምግባር፥ ውስጥና ዓለም ለኸ ትካላት፣ ኩባንያታትን ውልቀ ሰባትን ከምኡ እውን መንግስታት ዝተፈላለያ ሃገራት ምላሽ እናሃባ ከምዝርከባ ሲጂቲኤን ፀብፂቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment