ማእኸል ሕክምና ቫይረስኮሮና ኣዳራሽ ሚሌኒየም ሕሙማት ምቕባል ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ማእኸል ሕክምና ቫይረስኮሮና ኣዳራሽ ሚሌኒየም ሎሚ መዓልቲ ሕሙማት ምቕባል ጀሚሩ።

ዋና ዳይሬክተር እቲ ማእኸል ዶክተር እስማኤል ሸምሰዲን፥ ማእኸል ሕክምና ቫይረስኮሮና ኣዳራሽ ሚሌኒየም ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ኣዋርሕ ዘድሊ እታዎታት እናተማለአሉን ሕሙማት ብምቕባል ሕክምና ንምግባር እናተዳለወን ከምዝፀንሐ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ 40 ብፅኑዕ ዝሓመሙን 1 ሺሕ ብፅኑዕ ዘይሓመሙን ተሓከምቲ ኣገልግሎት ንምሃብ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ።

ክፍሊታት ላቦራቶሪ፣ ቤት መድሓኒት፣ መቐየሪ ክዳን ሰብ ሞያታት፣ መናፅህን ዝኣመሰሉን ከምዘለውዎ ተሓቢሩ።

ስለዝኾነ ሎሚ መዓልቲ ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ ሕሙማት ምቕባል ከምዝጀመረ ዝገለፁ እቶም ዋና ዳይሬክተር፥ ኣብቲ ማእኸል ንሕክምና ዘገልግሉ እታዎታትን ንሕሙማት ትምህርቲ ጥዕናን ስራሕቲ ስፖርትን ምሃብ ብዘኽእል መገዲ ከምዝተዳለወ ሓቢሮም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment