ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሱዳን ዝነበሮም ፃንሒት ብምዝዛም ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ልኡኾምን ኣብ ሱዳን፣ ካርቱም ዝነበሮም ፃንሒት ብምዝዛም ናብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሶም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ፃንሒቶም ምስ ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ሽግግር ሱዳንን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ዝገበርዎ ዘተ ውፅኢታዊ ከምዝነበረ ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ፃንሒቶም ምስ ፕሬዚዳንት ሉእላዊ ቤት ምኽሪ ሽግግር ሪፐብሊክ ሱዳን ጄኔራል ኣብደል ፈታሕ ኣል ቡርሃን ዝተዛተዩ እንትኾኑ፥  ህዝቢ ሱዳን ብዘይ ምንም ኢድ ኣእታውነት ዝጀመርዎ ከይዲ ፖለቲካ ብዓወት ንምምራሕ ዘለዎም ጥበብን ብቕዓትን ንኢዶም።

ምስ ምክትል ፕሬዚዳንት ሉእላዊ ቤት ምኽሪ ሽግግር ሪፐብሊክ ሌተናል ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ኣብ ዝገበርዎ ዘተ ድማ፥ ህዝቢ ሱዳን ናይ ባዕሎም ፀገም ፀባዕልቶም ንምፍታሕ ዘለዎም ዓምዩቕ ዓቕሚ ንክጥቀሙ ኣተባቢዖም ኢዮም።

ካብዚ ብተወሳኺ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ኣባላት ፓርቲታት ፖለቲካን  ጉጅለ ምንዳይ ሰለስቲኣዊ መፍትሕን ዝዘተዩ እንትኾኑ፥ ኣብቲ ዘተ ናይ ኢትዮጵያ መትከል ኢድ ኣእታውነት ዘይ ምህላው ንባዕላ ጥራሕ ዘይኮነስ ንካልኦት እውን ዝሰርሕ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም።

ህዝቢ ሱዳንን ኩሎም ፓርቲታት ፖለቲካን ሃገራዊ መፍትሒታት ንክናድዩ ምትብበዖም ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ መወዳእታ፥ “ናብ ሱዳን ብምምፅአይን ኣብ መንጎ ብልሓታዊ ህዝቢ ሱዳን ብምርካበይን ሕጉስ ኢየ” ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ብጄኔራል ኣብዱል ፋታሕ ኣል ቡርሃን አመስጊኖም።

ሐዚ ብዘሎ ብገዛእ ርእስኻ ዝምራሕ ከይዲ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ምስ ሱዳን ብሓባር ክትስለፍ ኢያ ድማ ኢሎም።

ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዝምራሕ ልኡኽ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ሎሚ መዓልቲ ናብ ሱዳን ምምርሑ ይዝከር።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment