ኣብ ትግራይ መሸጣ ጫትን ምክፍፋል ኣልኮላዊ መስተን ተኸልኪሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 22 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ዝርገሐ ቫይረስኮሮና ንምዕጋት ዓሊሙ ኣዋጅ ህፁፅ እዋን ከምዝተኣወጀ ይዝከር።

ስለዝኾነ ነቲ ኣዋጅ ዘፈፅም ኮማንድ ፖስት ትማሊ ተወሰኽቲ ውሳነታት ከምዘመሓላለፈ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ኣብቲ ክልል ካብ 22 መጋቢት 2012 ዓ.ም ጀሚሩ፥ ካብ ዝኾነ ክልል ናብ ትግራይ ጫት ከይኣቱ ክልኩል ኮይኑ ኣሎ።

ብተወሳኺ መከፋፈልቲ ኣልኮላዊ መስተ ምክፍፋል ደው ከብሉ ተወሲኑ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

Comments (0)
Add Comment