ካብ ኣሰራርሓ ስርዓት ድጎማ ወፃእ ብዝኾነ መገዲ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ኣሽከርከርቲ ስጉምቲ ይውሰድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ኣሰራርሓ ስርዓት ድጎማ ወፃእ ብዝኾነ መገዲ ኣብ ልዕሊ ዝንቀሳቐሱ ኣሽከርከርቲ ስጉምቲ እናተወሰደ ምዃኑ ሚኒስቴር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ኣፍሊጡ።

እቲ ሚኒስቴር ከምዝሓበሮ÷ ስርዓት ድጎማ ነዳዲ ካብ ዝፈቕዶ ኣሰራርሓ ወፃእ ብዝኾነ መፈዲ ንምጥቃም ዝተተመነሎም ታሪፍ ትራንስፖርት ዘየኽብሩ፣ መስመራት ምውፋሮም ብግቡእ ዘይሽፍኑ ኣሽከርከርቲ ስጉምቲ እናተወሰደ ይርከብ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ካብ ዝተዋፈሩሉ ወፃኢ ኣብ ስራሕቲ ኩንትራት ተዋፊሮም ሕብረተሰብ ግቡእ ኣገልግሎት ኣብ ዘይህቡ ኣሽከርከርቲ ምምሕዳራዊን ሕጋዊን ስጉምቲ እናተወሰደ ከምዝርከብ ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ካበ ዝምልከቶም ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ተሸከርከርቲ ካብ ምዝገባ ተረባሕነት ድጎማ ንኽእገዱ ብዝበፅሐ ፀብፃብ መሰረት ብምግባር፤ 3 ሺሕን 140 ተሸከርከርቲ ካብ ኣዲስ ኣበባ፣ ክልላት ኦሮሚያ፣ ኣምሓራ፣ ድሬደዋ፣ ጋምቤላ፣ ደቡብበ፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝን ብብርኪ ፌዴራልን ብመሰረት ዝቐረቡ ፀብፃባት ክእገዱ ተገይሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment