ፕሮጀክት ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ከተማ ኣብ ውሽጢ ድኽነት ዝርከቡ ዜጋታት ህይወቶም እናቐየረሎም ከምዝርከብ ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ፕሮጀክት ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ከተማ ኣብ ውሽጢ ድኽነት ዝርከቡ ዜጋታት ህይወቶም ኣብ ምቕያርን ናብ ዘላቒ ልምዓት ንኽሰጋገሩን ኣብ ምግባር ዕዙዝ ግደ ከምዝነበሮ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትር ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚኒሰትር ካልኣይ ፕሮጀክት ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ከተማ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ከተማ ደሴ ዕላዊ ገይሮም።
ኣይተ ደመቀ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ፥ ፕሮጀክት ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ከተማ ኣብ ውሽጢ ድኽነት ዝርከቡ ዜጋታት ህይወቶም ኣብ ምቕያርን ናብ ዘላቒ ልምዓት ንኽሰጋገሩን ኣብ ምግባር ዕዙዝ ግደ ነይሩዎ።

ኣብቲ መርሃግብሪ ዓቕሚ ዘይብሎም ዜጋታት ምርዳእ ምስ ህሊና ዘተዓርቕን ዕግበት ኣእምሮ ዝህብን ከምዝኾነ እውን ተዛሪቦም።

“እንትንተሓባበርን እንትንከባበርን ንደልያን ንኾርዐላን ኢትዮጵያ ክንፈጥር ንኅእል ኢና” ዝበሉ ኣይተ ደመቀ፥ ኣብ ካልኣይ ዙር ፕሮጀክት ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ከተማ ህይወት ዘኽታማት ብዘላቕነት ንኽቕይር ኩሉ ብፅሒቱ ንኽዋፃእ ድማ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ተመስገን ጥሩነህ ብግደኦም፥ መንግስቲ ድኽነት ንምንካይ ኣብ ዝገብሮ ቃልሲ ኩሎም መዳርግቲ ኣካላት ክድግፉዎ ይግባእ ኢሎም።

ቀዳማይ ዙር ፕግራም ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ከተማ፥ ባህሊ ስራሕ ዜጋታት ዘዕበየን ምስሊ ከተማታት ዝቐየረን ምዃኑ እውን ኣብሪሆም።

ኣብ ካልኣይ ዙር ፕግራም ልምዓታዊ ሴፍቲኔት ከተማ ድማ ካብ ቀዳማይ ዙር ልምዲ ብምውሳድ ዝሐሸ ኣፈፃፀም ንኽህልዎ ብዕቱብ ክስራሕ ይግባእ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

Comments (0)
Add Comment