ትእምት ንመባእታዊ ሆስፒታል እንትጮ ዝውዕል ብር 20 ሚልየን ሓገዝ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ምግባረ-ሰናይ ትእምት ንህንፀት መባእታዊ ሆስፒታል እንትጮ ዝኸውን ብር 20 ሚሊየን ሓገዝ ገይራ።

መባእታዊ ሆስፒታል እንትጮ ብምትሕብባር መንግስትን ህዝብን ዝተጀመረ ፕሮጀክት እዩ።

እቲ ፕሮጀክት ኣብዚ ሐዚ እዋን መብዛሕቱ ስራሕቲ ስትራክቸር ዝተዛዘመ እንትኸውን፥ ትእምት ንዝተረፍ ስራሕቲ ህንፀት እቲ መባእታዊ ሆስፒታል ንምዝዛም ዝውዕል ሓገዝ 20 ሚሊየን ብር ከምዝገበረት ቢሮ ርክብ ህዝብን መንግስቲን ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment