ሓይሊታት ፖለቲካ ደቡብ ሱዳን ስምምዕነት ከይዲ ምስረታ መንግስቲ ናብ ተግባር ክቕይሩ ይግባእ – ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሓይሊታት ፖለቲካ ደቡብ ሱዳን ዝበፅሑዎ ስምምዕነት ከይዲ ምስረታ መንግስቲ እታ ሃገር ብቕልጡፍ ናብ ተግባር ክቕይሩ ከምዝግባእ ዋና ፀሓፊ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ኣንቶኒዮ ጉቴሬዝ ፀዊዖም።

እቶም ዋናፀሓፊ ምስ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋቂ ማሃማት ተዛትዮም።

ድሕሪ እቲ ዘተ ኣብ ዝሃዎ መግለፂ፥ ሓይሊታት ፖለቲካ ደቡብ ሱዳን ካብ ማንም እዋን ንላዕሊ ንሰላምን ድሕንነትን ህዝቦምን ሃገሮምን ኣቐዲሞም ዝሰርሑሉ እዋን ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሰበብ እናቕረብካ ከይዲ ስግግር ምስረታ መንግስቲ ንምንዋሕ ዝግበር ምንቅስቓስ ተቐባልነት ከምዘይህልዎ እውን እቶም ዋናፀሓፊ ኣብሪሆም።

ኣንተኒዮ ጉተሬዝ ብተወሳኺ፥ ኣብ ሊቢያ፣ ዞባ ሃገራት ሳሕልን ከባቢ ቃላይ ቻድን ዝፍጠሩ ጎንፂታትን እናተፈፀሙ ዝርከቡ መጥቃዕቲታት ግብረ ሽበራን ንምፍታሕ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ፥ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ምስ ሕብረት ኣፍሪካ ብምዃን ብዕቱብ እናሰርሐ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ኣፍሪካ ካብ ሉልነትን ዓለም ለኸ ንግዲን ፍትሓዊ ብፅሒት ንኽህልዋ፥ ዝሐሸ ስራሕ ምስራሕ ከምዝግባእ እውን እቶም ዋና ፀሓፊ ቀሊፆም።

ካብ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ተግባራዊ ዝኸውን ኣህጉራዊ ንግዲ ቐጠና ኣብ ዕቤት ኣፍሪካ ናይ ባዕሉ ግደ ከምዝህልዎ ኣብሪሆም።

እቶም ዋናፀሓፊ ኣብ መግለፂኦም፥ ኣብ ምክልኻል ቫይረስ ኮሮናን ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ እናተስፋሕፈሐ ዝርከብ ዕስለ ኣምበጣን ብዝምልከት ናይ ሓባር ምትሕብባር ከምዘድሊ ኣተሓሳሲቦም።

Comments (0)
Add Comment