ምስ “ፋውንዴሽን ቢል ኤንድ ጌትስ” ዘለና ነባር ምትሕብባር ክብ ብምባልን ኣብ ሓደሽቲ ዓውዲታት ብምትሕብባርን ክንሰርሕ ኢና-ቀ/ሚ ኣቢይ(ዶ/ር)

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ ፋውንዴሽን ቢልን ጌትስን ዘለና ነባር ምትሕብባር ክብ ብምባልን ኣብ ሓደሽቲ ዓውዲታት ብምትሕብባርን ክንሰርሕ ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ ሎሚ መዓልቲ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ፋውንዴሽን ማርክ ሱዝማንን ጉጅለኦምን ብምቕባለይ ታሕጓስ ተሰሚዑኒ ኢሎም።

ፋውንዴሽን ቢል ኤንድ ጌትስ ኣብ ዓውድታት ግብርና፣ ጥዕና፣ ስርዓት ምግቢ፣ ሓቛፊ ሰርዓት ፋይናንስን ካልኦተን ዝህቦ ዝረብሕ ደገፍ ንምዕባለ ኢትዮጵያ ልዑል ግደ ኣለዎ ከብሉ ገሊፆም።

እቲ መትሕብባር ከብ ብምባልን  ኣብ ሓደሽቲ ዓውዲታት ብምትሕብባርን ከንሰርሕ ኢና ክብሉ አወን ሓቢሮም።

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment