ብልምዓት ዝተልዓሉ ሰባት ዘቕርቡዎም ሕቶታት ቅልጡፍ ምላሽ ንኽወሃቦም ተገይሩ ኢዩ – ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ ቀረባ ክትትል ብምግባር ብልምዓት ዝተልዓሉ ሰባት ዘቕርቡዎም ሕቶታት ቅልጡፍ ምላሽ ክወሃቦም ከምዝተገበረ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ገሊፀን።

ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ 3ይ ዓመት ዘበን ስራሕ 3ይ ስሩዕ ጉባኤኡ እናካየደ ይርከብ፡፡

ከንቲባ ኣዳነች  ኮሪደር ልምዓት እታ ከተማ ኣመልኪተን ኣቤቤ ኣብቲ ጉባኤ ከምዝገለፀኦ÷ ንንግዲን ንውልቀ ሰብ ትሕዝቶን ተተካኢ ክፍሊት ካሕሳ ምፍፃም ተኻኢሉ።

ካብዚ ብተወሳኺ ንልምዓት ዝተልዓሉ ሰባት ናብ ዝተሰናደአሎም መንበዲን መስርሒን ገዛ ዘጓዓዕዝ ትራንስፖርት ምስንዳእ፣ ኣብ ዝኣተዉሉ ከባቢ ፍሉይ ኣቀባብላ ምገባር፣ ኣብ መብዛሕትኡ ማሕበራዊ ምትእስሳሮም ተሓሊዩ ናይ ምዝውዋር ስራሕቲ ብልዑል ጥንቃቐን ስምዒት ሓላፍነትን ከምዝተሰርሐ ገሊፀን።

ግልፂን ዝርዝር መፈፀሚ ትልሚን ብምስንዳእ ናይ ዲዛይን ምድላው፣ በጀትን ንተለዓልቲ ልምዓትን ህንፀት መንበሪ ገዛን፣ መስርሒ ቦታን መተካእታ መሬትን ናይ ምስንዳእ ስራሕ ከምዝተሰርሐ ገሊፀን።

ብልምዓት ዝተልዓሉ ዜጋታት ዝኣተዉሎም መንበሪ ኣባይቲ መሰረተ ልምዓት መገዲ፣ መብራህቲ፣ ማይን ፈሳሲን ዝተማለአሎም ከምዝኾኑን ናይ ቀረባ ክትትል ብምግባር÷ ተለዓልቲ ንዘቕርቡዎም ሕቶታት ቅልጡፍ ምላሽ ክወሃቦም ከምዝተገበረ ምግላፀን ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝተኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment