ደቂ ኣኒስቲዮ ኣብ ሃገራዊ ዘተ ሓሳበን ኣጀንዳ ብምግባር ምትብባዕ ከምዝግባእ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሚያዝያ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ደቂ ኣኒስቲዮ ኣብ ሃገራዊ ዘተ ሓሳበን ኣጀንዳ ብምግባር ምትብባዕ ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

ኣብ ሃገራዊ ዘተ ኣብ ግደ ደቂ ኣኒስትዮን ተሳትፎን ዝጠመተ መድረኽ ሃገራዊ ዘተ ተሳሊጡ።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ፥ ሃገራዊ መድረኽ ዘተ ዝተፈላለዩ ኣካላት ማሕበረሰብ ዘሳትፍን ውፅኢታዊ ከምዝኾነን ሓቢረን።

በዚ ብዙሓት ሃገራት ተረባሕቲ ከምዝኾና እወን ገሊፀን።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣፈላላይ ሓሳብ እናሰፍሐን ናብ ጎንፂ እናተሰጋገረን ምዃኑ በምሕባር፥ እዚ ንምምዕርራይን ሃገር ኣብ ፅኑዕ ሰረት ንምንባርን ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ግደ እቲ ኮሚሽን ዘተ ከምዝኾነ ኣገንዚበን።

ስለዝኾነ ብጎንፂ ብፍላይ ደቂ ኣኒስቲዮ ተጎዳእቲ ብምዃነን ነዚ ንምትራፍ ኣብ ሃገራዊ ዘተ ብምቕሓት ምስታፍ ይግባእ ግብላ ተዛሪበን።

ብትዕግስት ኣስማማው

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment