መርሃ ግብሪ ኣፍጥርን እንግዶት መኣዲን ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢሲ)ፆመ ሮሞዳን ምኽኒያት ብምግባር መርሃ ግብሪ ኣፍጥርን እንግዶት መኣዲ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ዝተመረፃ ከተማታትን ክካየድ ኢዩ።

እቲ መርሃ ግብሪ፥ “ኢትዮጵያ ተፍጥር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ከምዝሳለጥ ተገሊፁ።

ኣብ ጎደና ንዝነብሩ፣ ተመዛበልቲ፣ ኣብ ሕክምናን ኣብያተ ህንፀትን ንዝርከቡን ጎኒ ማእሲ ንዝሓዙን ወገናት እንግዶት መኣዲ ከምዝግበረሎም ተሓቢሩ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስትር ባህሊን ስፖርቲን ነፊሳ ኣልመሃዲ፥ ምስ ግብረ ሰናት ትካላት ብምትሕብባር ዘይቲ፣ ሕሩጭ፣ ሩዝን ዝተፈላለዩ ፅሬት መሐለውቲ ናውቲታትን ንምልጋስ ከምዝተተለመ ተዛሪቦም።

ልዕሊ 72 ሚሊየን ብር እቶት ብምትእኽካብ ንልዕሊ 90 ሺሕ ወገናት ተበፃሕቲ ንምግባር ከምዝተሓሰበ ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment