መበል 18 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ይኽበር ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 18 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ብብርኪ ክልል ይኽበር ኣሎ።

ኣብ ክልል ሃረሪ ብብርኪ ክልል መበል 18 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን እናተኸበረ ይርከብ።

እቲ በዓል “ብዝሃነትን ማዕርንትን ንሃገራዊ ሓድነትና” ብዝብል መሪሕ ቃል ኢዩ እናተኸበረ ዝርከብ።

ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኦርዲን በድሪ ኣብቲ እዋን ከምዝበሉዎ÷ ሓበራዊ መንነታት ብምጥንኻር ካብ ኩልና ንኹንላ ትኸውን ሃገር ንምህናፅ ምስራሕ ይግባእ።

ኣፈጉባኤ ቤት ምኽሪ እቲ ክልል ኣይተ ሱልጣን ኣብዱልሰላም ብግደኦም፥ ናይዚ ዓመት በዓል ኣብ ጎረቤት ከልል ሶማሌ ምኽባሩ ፍሉይ ከምዝገብሮ ገሊፆም።

እቲ በዓል ንምኽባር ናብ ጅግጅጋ ዘምርሑ ኣጋይሽ ካብ 23 ሕዳር ጀሚሩ ኣብ ከተማ ሃረር ኣቀባብላ ክግበረሎም ከምዝግባእ ኣመልኪቶም።

ኣብ ምኽባር እቲ በዓል ከጎረቤት ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ዝመፅኡ ላዕለዎት ኣመራርሓ ተረኺቦም።

ብተመሳሳሊ መበል 18 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኣብ ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ ዞባ ኮንሶ ከተማ ካራት ብድምቀት ተኸቢሩ።

ብእዮናዳብ ኣንዷለም ፤ ተወሳኺ ሓበሬታ ካብ ቢሮ ኮሙኒኬሽን ክልል ደቡብ ኢትዮጵያ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment