ንኢትዮጵያ ከገልግል ኢየ ዝብል ማዕረ መሰል ዝረኽበሉ መረፃ ክኸውን ኢና ንደሊ – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ንኢትዮጵያ ከገልግል ኢየ ዝብል ማዕረ መሰል ዝረኽበሉ መረፃ ክካየድ ከምዝደልዩ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ከምዝገለፁዎ፥ ሕድሕድ ዜጋ ሰላም መሰረት ኩሎም ነገራት ከምዝኾኑ ፈሊጡ ካብ ሎሚ መዓልቲ መን ንመን ከምዝመርፅ እናሓሰበ ንኽፀንሕ ኣተሓሳሲቦም፡፡

መረፃ ስዒቡ እምኒ ዝድርቢ እነተሃሊዩ ሕብረተሰብ ብሓባር ጠጠው ኢሎም ክከላኸሉዎ ይግባእ ኢሎም፡፡

“ኣብ ኢትዮጵያ ካብ መረፃ ወፃእ ዝሰጋገር፣ ዝደራደር መንግስቲ ኣይፍጠርን” ኢሎም።

ዝኾነ ይኹን ሓይሊ ስልጣን ክሕዝ ዝኸእል ብመረፃ ጥራሕ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፥ ነዙይ ፈሊጡ ዝናሓናሕ ሓይሊ እንተሃሊዩዎ፣ ውዳበ እንተሃሊዩዎ፣ ሓሳቡ ሸይጡ፣ ንህዝቢ አእሚኑ ንኽምረፅ ፃዕሪ ክገብር ከምዝግባእ ገሊፆም፡፡

መረፃ ዴሞክራሲያዊ ንኽኸውን ዝደልዩ ሓይሊታት ብዝተኽኣለ መጠን ነዙይ ዝምቹ ሜዳ ከምዘሎ ፈሊጦም ብምስራሕ ኣብ ኢትዮጵያ ብመረፃ ስግግር ስልጣንን ቅቡል መንግስቲን ክፈጥሩ ይግባእ ኢሎም።

ካብዚ ወፃእ ዘለዉ ሓሳባት ኩሎም ግን ህልሚታትን ክኾኑ ዘይኽእሉን ከምዝኾኑ ኣገንዚቦም፡፡

ህዝቢ ዝደለዮ ክመርፅ ኣለዎ ዝበሉ ዶክተር ኣቢይ፥ ሰላም ክቕድምን ማዕረ መድረኽ ምፍጣሩ ምርግጋፅን ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም፡፡

“ንኢትዮጵያ ከገልግል ኢየ ዝብል ማዕረ መሰል ዝረኽበሉ መረፃ ንኽኸውን ድሌት ኣለና፤ እዚ እንትኸውን ጥራሕ ኢዩ ኢትዮጵያ ክትዕወት ትኽእል” ኢሎም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment