ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ካብ ዝተተኸሉ ፈልሲታት 85 ሚኢታዊ ዝኾኑ ከምዝፀደቑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 2015 ዓ. ም እዋን ክረምቲ ካብ ሞንጎ ዝተተኸሉ ፈልሲታት 85 ሚኢታዊ ዝኾኑ ከምዝፀደቑ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።

ኣብ እዋን ክረምቲ 2015 ዓ.ም ካብ ዝተተኸሉ ፈልሲታት እቶም 57 ሚኢታዊ ንጥሙር ደኒን ፍረምረን ዝውዕሉ ፈለሲታት ዝተረፉ ድማ ንሓለዋ ከባቢን ልምዓት ተፋሰስን ዝውዕሉ ከምዝኾኑ ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ተዛሪቦም፡፡

ዝተተኸሉ ፈልሲታት ናይ ምፅዳቕ መጠኖም ንምርግጋፅ ኣብ ዓመት ክልተ ግዘ  ስራሕቲ ዳህሳስ ከምዝግበር ኣፍሊጦም፡፡

ኣብ ቀፃሊ ድማ ብዘይምቁራፅ ተግባራት ክንክን ብምስራሕ መጠን ምፅዳቖም ክብ ንምባል ከምዝስራሕ ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዝቕፅል እዋን ክረምቲ ዝትከሉ ፈልሲታት ናይ ምስንዳእ ተግባር ከምዝተጀመረ ብምግላፅ÷ 9 ቢሊየን ፈልሲታት ንምስንዳእ ምስ ክልላት ኣብ ምርድዳእ ከምዝተበፅሐ ኣብሪሆም፡፡

ኢትዮጵያ በሁለት ምዕራፎች 50 ቢሊየን ችግኞችን ለመትከል ዕቅድ ይዛ እየሠራች መሆኗን ገልጸው÷ በመጀመሪያው እንዲሁም በሁለተኛው ምዕራፍ የመጀመሪያ ዓመት በአጠቃላይ 32 ነጥብ 5 ቢሊየን ችግኞች መተከላቸውን አስታውቀዋል፡፡

ኢትዮጵያ ብክልተ ምዕራፋት 50 ቢሊየን ፈልሲታት ንምትካል ትልሚ ሒዛ እናሰርሐት ምዃና ዝገለፁ እቶም ሚኒስትር÷ ኣብ መጀመርታ ዓመት ቀዳማይን ካልኣይን ምዕራፍ ብሓፈሻ 32 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲታት ከምዝተተኸሉ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ትልሚ ንምዕዋት ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ድማ 17 ነጥቢ 5 ቢሊየን ፈልሲታት ምትካል ከምዘድሊ ኣመልኪቶም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment