ክረምታዊ ኣገልግሎት ወለንታ መናእሰይ ፅባሕ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ክረምታዊ ምንቅስቓስ ኣገልግሎት ወለንታ መናእሰይ እዚ ዓመት ፅባሕ ኣብ ክልል ቤኒንሻንጉል ጉሙዝ ከተማ ሃዋሳ ከምዝጅመር ሊግ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና ኣፍሊጡ።

ምክትል ፕሬዚዳንት እቲ ፓርቲን ሓላፊት ቤት ፅሕፈትን ኦባንግ ኩመዳን ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ÷ ኣብ ክረምታዊ ኣገልግሎት ወለንታ መናእሰይ እዚ ዓመት ልዕሊ 8 ሚሊየን መናእሰይ ክሳተፉ ኢዮም ዝብል ትፅቢት ከምዘሎ ገሊፀን።

መናእሰይ ኣብ እዋን ክረምቲ ዝተፈላለዩ ኣገልግሎታት ብምስታፍ ኣሰሮም ንኸዕርፉ ምድላው ተገይሩ ኢዩ ዝበላ እተን ሓላፊት÷ “ብምዃኑ ፅባሕ መርሃ ግብሪ እቲ ምንቅስቓስ ኣብ ከተማ ኣሶሳ ክካየድ ኢዩ” ኢለን።

መርሃ ግብሪ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ ኣሰር፣ ምሕዳስ ገዛ ዓቕመ ደካማታት፣ ኣብ ትካላት ጥዕና ሕሙማት ምድጋፍ፣ መርሃ ግብሪ ልገሳ ደምን ካልኦት ተግባራትን ከምዝካየዱ ሓቢረን፡፡

ብሳሙኤል ወርቃየሁ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment